Valitse sivu
kirkkonummi

ኣብ ኪርኮኑሚ ምንባር

ዓቢ ክፋል ፊንላንዳውያን ኣብ ብዋናታት ዝነብሩ ኣባይቲ ይነብሩ። ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ኣፓርታማታት ዝሸጡ ወከልቲ ንብረት ኣለዉ፡ እቶም ኣፓርታማታት ግን ክቡራት እዮም። ባንክታት ንዕድጊ ኣፓርታማ ልቓሕ ክህባ ይክእል  እየን፣ እቲ ኣመልካቲ ነቲ ልቓሕ ንምምላስ  ግብእ ዝኮን ተገዳስነት , አብ ሓጺር ገዜ ክትመልስ እንተኪልካ  እዚ ማለትድማ  ቀዋሚ ስራሕ ክሳብ ዘይብልካ ልቓሕ ምርካብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣፓርታማ ምውናን እውን ናይ ነዊሕ ግዜ ተወፋይነት ይሓትት እዮ ፣ በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣፓርታማ ምክራይ ኣብ ገለ ናይ ህይወት ኩነታት ዝሓሸ ኣማራጺ ክኸውን ዝኽእል።

ኣፓርታማ ንኽራይ ገዛ

ካብቲ ምምህዳር ፣ ትካል፣ ማሕበር ወይ ናይ ብሕቲ ወናኒ ኣፓርታማ  ገዛ ክትካረዩ ትኽእሉ ኢኹም። ዳርጋ ኩሎም ዝርከቡ ኣፓርታማታት ኣብ ከም Oikotie.fiን , Vuokraovi.comን ዝኣመሰሉ ናይ ክራይ ኣፓርታማታት ዝህቡ ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ሊንክታት ኣብ ኪርኮኑሚ ኣካርይቲ ናይ ገዛ  እንትዳኣ ገዛ ክተመልክት ደሊካ  ኣገዳሲን ጠቃሚን ሔበሬታ  ኣብቲ ሊንክ ክትርክቦ ትኽእሉ ኢኹም።

ንኽራይ ኣፓርታማ ንምምልካት፡ ካብ ምኽሪ ኣባይቲ ምምህዳር  ኪርኮኑም ወይ ትሕቲ 30 ዓመት እንተኾንካ ካብ ኣገልግሎታት ሓገዝ ሓብሬታ አብ ኪርኮኑመ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣማኻሪ ኣባይቲ ማሕበር ኣባይቲ መንእሰያት (NAL) ከምኦ ድማ ኦሕያሞ  አብ ቤት ጽሕፉት ቀጻሊ ይምጾ እዩም ሓበሬታን ሓገዝ ክትሓቶም ትኽእሉ ኢኹም።

ኣፓርታማ ክትካረ ከለኻ፡ ኩሉ ግዜ ምስቲ ኣካራዪ ብጽሑፍ ናይ ክራይ ውዕል ክትገብር አለካ ። እቲ ውዕል ብተኻራያይን ኣካራዪን ክፍረም ኣለዎ፣ ክልተ ቅዳሓት ድማ ክህልዉ ኣለዎም፣ ሓደ ንተኻራያይ ሓደ ድማ ንዋና ገዛ።

እቲ ኣፓርታማ ንዝተወሰነ ግዜ ወይ ንዘይተወሰነ ግዜ ክካረ ይኽእል። ናይ ውሱን ግዜ ክራይ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣለዎ፣ እዚ ድማ እቲ ተኻራያይ ካብቲ ኣፓርታማ ክወጽእ ወይ ቅድሚ ምዝዛም ናይ ክራይ ግዜ ሓድሽ  ውዕል ክራይ ክፈርም ኣለዎ። እቲ ንግዚኡ ቅኑዕ ዝኾነ ናይ ክራይ ውዕል መወዳእታ መዓልቲ የብሉን፣ እንተኾነ ግን ክልቲኦም ተኻራያይን ኣካራዪን ኣብ ሕጊ ክራይ ክፍሊ ዝተገለፀ ናይ ምልክታ ግዜ ብምኽታል ነቲ ስምምዕ ከቋርፅዎ ይኽእሉ እዮ።

ምኽሪ ኣባይቲ

ምኽሪ ኣባይቲ ንኹሎም ነበርቲ ኪርኮኑም ምስ ኣባይቲ ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት፡ ኣፓርታማ ምድላይ ወይ ዕዳ ክራይ ገዛ ይሕግዞም። ካብ ምኽሪ ኣባይቲ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንኣብነት፤

  • ናይ መንበሪ ገዛ መመልከቲ ንምቕራብ
  • ናብ ብሰንኪ ምድንጓይ ምኽፋል ክራይ ገዛ ዝመጽእ ጸገማት
  • ዕዳ ክራይ ገዛ ንምምሕዳር
  • ኣብ ምንባር ሰላም ወይ ምቾት ምንባር ጸገማት ንምፍላጥ
  • ንናይ ህጽጽ ኩነታት
  • ናብ ፋይናንሳዊ ብድሆታት

ናይ ኣባይቲ ምኽሪ ርክብ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም: https://www.kirkkonummi.fi/asumisneuvonta። ምኽሪ ኣባይቲ ኣብ ኦሕያሙ እውን ብቐጻሊ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣሰራርሓ ኣባይቲ

ምንባር ብዙሕ ሕግታትን መምርሕታትን ኣለዎ። ኣብ ታሕቲ ንውሑዳት ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ገጻት ዝምልከት መላግቦታት ኣለዉ፡ ሓበሬታኦም ንኹሉ ዝጠቅም እዩ።

 አብ InfoFinlandin  https://infofinland.fi/fi/housing መርበብ ሓበሬታ ኢንፎፊንላንድ ብዛዕባ መሰላትን ሓላፍነትን ነባሪ፡ ድሕነት ባርዕ ሓዊ፡ ዕንወት ማይን ድሕነት ኤሌክትሪክን፡ ምቑጣብ ጸዓት፡ ዳግመ-ምጥቃም ጎሓፍን ዝተፈላለየ ጸገማት ኣባይትን ካልእን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብ።

ከተማ ኦውሉ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ኣባይቲ ብቋንቋታት ፊንላንድ፣ ሶማል፣ ትግርኛ፣ ዳሪ፣ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ንጹር ስእላዊ መምርሒታት ኣለዋ።https://www.ouka.fi/haku?hl=fi&query=asumisen+opas

ማሕበር ኣባይቲ መንእሰያት NAL ናይ ገዛእ ርእስኻ ገዛ ምርካብን ምክራይን ከምኡ’ውን ኣብ ኣፓርታማ ምንባር ብቋንቋታት ፊንላንድ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብን ሩስያን መምርሒ ሰሪሑ ኣሎ።. https://nal.fi/asumisen-abc/materiaalit/oppaat/

ኣዝዩ ጠቓሚ ሓበሬታ ኣብ ገጽ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም https://sininauhasaatio.fi/materiaalipankki/asumisen-ja-sosiaaliturvan-pieni-sanasto-vasta-suomeen-muuttaneille/ ካብቲ ”ንእሽቶ ቃላት ኣባይትን ማሕበራዊ ድሕነትን ነቶም ገና ናብ ፊንላንድ ዝገዓዙ” ዝብል ክፋል። ናይ ግድን ንጹር ዘይኮነ ቃላትን ኣምርን ብዙሕ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ። እቲ ንዋት ብቋንቋታት ፊንላንድ፣ ዓረብ፣ ሶራኒ፣ ትግርኛን ስዋሂሊን ይርከብ።

ምሕደራን ዳግመ-ምጥቃምን ጎሓፍ ኣብ ኪርኮኑሚ

ኣብ ፊንላንድ ጎሓፍ ክፍለ ነናቶ ብታ መጋህፌ ኣለዎ። እተን ማሕበራት ኣባይቲ ዝጥቀማሉ ናይ ጎሓፍ መሳለጥያታት፡ ንባዮ-ጎሓፍ፡ ብርጭቆ፡ ብረት፡ ፕላስቲክ፡ ወረቐት፡ ካርቶንን ዝተሓዋወሰ ጎሓፍን ዝኸውን ኮንተይነራት ኣለወን። ብተወሳኺ፡ መሳርሒታት ኤሌክትሪክ፡ ባትሪ፡ ክዳውንቲ፡ ጎሓፍ ህንጻ፡ ሓደገኛ ጎሓፍን ጎሓፍ ጀርዲንን ናብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይቲ ኮሙን ዝርከቡ መእከቢ ነጥብታት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ትኽክለኛ ጎሓፍ ኣብ ትኽክለኛ ቦታታት ክውዳእ  ክጋሓፍን ኣገዳሲ እዩ።

ካርታ ናይ ኪርኮኑሚ ናይ ጎሓፍ ምፍላይ ነጥብታት ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም ኣብ ኪርኮኑሚ ኣብ ካርታ ምስ ኣዕብዩኩም፤https://www.kierratys.info/

ኣብ ፊንላንድ ጥርሙዝ ናብ መኽዘን ጥርሙዝ ዝምለሰሎም ቦታታት ክምለሱ ይኽእሉ። ንዝተመልሱ ጥርሙዝ ኣብ መውጽኢ ናይቲ ድኳን ተቐማጢ ገንዘብ ይኽፈል፣ ካብታ ናይ ምምላስ ማሽን ዝረኸብካዮ ቅብሊት ምስ ኣርኢኻ።

መምርሒታት ምፍላይ ጎሓፍ ንኣብነት ቢጅ https://www.infofinland.fi/fi/housing/waste-and-recyclingኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንፎፊንላንድን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ከባቢ ዞባ ሄልሲንኪን (HSY) ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።https://www.hsy.fi/jatteet-ja-kierratys/jateopas/

ብዘይካ ምሕደራ ጎሓፍ፡ ድሕሪ ሕጂ ባዕልኻ ዘየድልዩኻ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ኣቑሑት ዳግማይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ጎሓፍ ዳግመ-ምጥቃም ዝግበረሉ ቦታታት፡ ዘይተበላሸወን ጽሩይን ክዳውንቲ ክትወስደሉ እትኽእል ናይ ዓለባ መእከቢ ሳጹናት እውን ኣለዎም።https://www.kierratyskeskus.fi/  ብተወሳኺ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝርከቡ ክዳውንትን ዓለባታትን ናብ ማእከላት ዳግመ-ምጥቃምን ንመእከቢ ቀይሕ መስቀል ፊንላንድን (SPR) ኮንቲ፡ https://sprkontti.fi/ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣቑሑት፡ ከም ፍርናሽ፡ ሳእኒ፡ ዘይተበላሸዉ መሳርሒታት ገዛን ዘይተበላሸዉ ኤሌክትሮኒክስን ከተብጽሑ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ኪርኮኑሚ ዝርከባ ማርታታት እውን ናይ ገዛእ ርእሰን ማእከል ዳግመ-ምጥቃም ይሕልዋ።https://www.facebook.com/KirkkonummenMarttojenKierratyskeskus/

ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዕዳጋታት ፍሊ ወይ ብኢንተርነት እውን ባዕልኻ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ኣቑሑት ክትሸይጥ ትኽእል ኢኻ።

ቁጠባዊ ሕቶታት

ወጻኢታት ኣባይቲ ብምድላው ኣባይቲ ይጽሎ። ብዘይካ ክራይ ገዛን ክህሉ ዝኽእል ወለድን ምምላስን ሞርጌጅን፡ ግዴታዊ ወጻኢታት መንበሪ ኣባይቲ ካብ ቀረብ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ምሕደራ ጎሓፍ፡ ኣበርክቶ ኩባንያን ክፍሊት መድሕንን ይፍጠር። ዘይምኽፋል መቕጻዕቲ፡ ደንጉዩ ዝኽፈል ወለድ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ድማ ገዛኻ ከይተረፈ ክትስኖ ውይ ድማ ክወስድዎ  ይክእል እዮ።

ንወጻኢታት ኣባይቲ እውን ድጎማ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣታዊ ኣዝዩ ውሑድ እንተኾይኑ፡ ሓፈሻዊ ናይ መንበሪ ኣበል ወይ ናይ ጡረተኛ መንበሪ ኣበል ካብ ኬላ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።. https://www.kela.fi/asumisen-tuet.

ብዛዕባ ድጎማ ኣባይትን ምፍታሕ ፋይናንሳዊ ጸገማትን ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ infoFinland

ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም: ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ጸገማት እውን ካብዞም ዝስዕቡ ቦታታት ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ትሕቲ 30 ዓመት እንተኾይንካ ካብ ኦሕያም (Kirkkotallintie 1)
  • ካብ ሉካን (Saloviuksentie 3)
  • ካብ ዲያቆን ስራሕ ሰበኻ ኪርኮኑሚ ቁጽሪ ተሌፎን 050 383 9371

ደገፍን ኣገልግሎትን ኣባይቲ

ንቡር ንጥፈታት ህይወት ንምጽዋር ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ንኣብነት ብሰንኪ እርጋን ወይ ስንክልና፡ ንዝተፈላለዩ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ደገፍ ኣገልግሎታት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣገልግሎት ኣባይቲ ንስንኩላን

ዝድገፍ ኣባይቲ ማለት ናጻ ኣባይቲ ማለት ኮይኑ ነብስካ ክኢልካ ክትንብር ትክዕል ፡ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝመጽእ ናይ ደገፍ ምብጻሕ ዘጠቓልል እዩ። እቲ ዕላማ ምሕደራ ኣባይቲ፣ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታትን መዓልታዊ ህይወትን ምምችቻው እዩ።https://www.luvn.fi/fi/palvelut/sosiaalipalvelut/vammaispalvelut/tuettu-asuminen-vammaisille-henkiloille

 ምምሕያሽ ዝተሓገዘ መነባብሮ ነቶም ኣብ ኩሉ ሰዓታት ናይ መዓልቲ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ዝዓለመ እዩ። ብዘይካ ሕክምና፡ ክንክንን መምርሕን፡ ዝተማዕበለ ኣገልግሎት ዘለዎ ኣባይቲ፡ ንኻልኦት ነገራት፡ ኣብ ደገ ዝግበር መዘናግዕን ምንቅስቓስን፡ ጽገና መግብን ክዳውንትን፡ ኣገልግሎት ምሕጻብን ጽሬትን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ኣድላዪ ኣገልግሎታት 24 ሰዓት የጠቓልል።https://www.luvn.fi/fi/palvelut/sosiaalipalvelut/vammaispalvelut/tehostettu-palveluasuminen-vammaisille-henkiloille

ኣገልግሎት መንበሪ ኣባይቲ ንኣረጋውያን

ንኣረጋውያን ከከም ድሌት ዓሚል ዝተፈላለየ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ደገፍ ኣገልግሎት ይወሃብ። ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣባይቲ ንኣረጋውያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብምርካብ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፤https://www.luvn.fi/fi/elamanvaiheet/ikaantyneille ናይ Länsi-Uusimaa ዌልፌር ከባቢ ወይ ድማ ብኢመይል Seniori-info 029 1512 270, ኢመል አድራሻ  seniori-info.ita@luvn.fi ብምርካብ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም

ኣብ ቅልውላው ኩነታት ምንባር

ዓመጽ ወይ ስግኣት ዓመጽ

ሓደ ኣባል ስድራቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣባላት ስድራቤትካ ዓመጽ እንተተጠቒሙ፡ ኣብ ሰሙን ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት 029 151 6005፡ ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ንቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ማሕበራዊ ድሕነትን ቅልውላውን 029 151 2221 ተወከስ።

ኣብ ገዛ ምጽናሕ ዘይከኣል ወይ ሓደገኛ እንተኾይኑ ምስ ደቅኻ ብሓባር ክትከዶም እትኽእል ሓያሎ መዕቆቢታት ኣለዉ። ኣብ መዕቆቢ ቦታታት፡ ነቲ ኩነታት ንምግጣም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት መዕቆቢ ብነጻ እዩ። https://nollalinja.fi/turvakoti/turvakotien-yhteystiedot/#p%C3%A4%C3%A4kaupungin

ብዛዕባ እቲ መዕቆቢ ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናይ መዓልቲ ናብ መዕቆቢ Pääkaupunkiseutu ብ 09 4777 180 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።ክትድውሉ ከለኹም ስምኩም ምግላጽ ኣየድልየኩምን እዩ። https://paakaupunginturvakoti.fi/turvakoti/

ናይ ደቂ ኣንስትዮ መዕቆቢ ሞና ዝርዝር ርክብ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።. https://monikanaiset.fi/turvakoti-mona/

መንእሰይ እንተኾንካን ኣብ ገዛኻ ጸገም እንተሃልዩካን ምስ መዕቆቢ መንእሰያት ቀይሕ መስቀል ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፤turvatalo.espoo@redcross.fi

ገዛ ዘይምህላው

ገዛ ዘይብልኩም እንተኾንኩም፡ ናብ ቁጽሪ ምኽሪ ማሕበራዊ ስራሕ ተወከሱ። 029 151 6004 https://www.luvn.fi/fi/palvelut/sosiaalipalvelut/yleinen-sosiaalityo-ja-ohjaus/aikuissosiaalityo?municipality=Kirkkonummi

ኣድላይነት ሓገዝ ቅጽበታዊ እንተኾይኑ፡ ንኣብነት ብሰንኪ ዓመጽ፡ ሓደጋ ወይ ካልእ ጽዑቕ ምኽንያት፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8 a.m ክሳብ 3 p.m ኣብ ካልእ እዋን ድማ ነቲ ማሕበራውን ቅልውላውን፡ ናብ ናይ ዓበይቲ ማሕበራዊ ስራሕ ህጹጽ ቁጽሪ (029 151 6005) ተወከሱ ህጹጽ ቁጽሪ (029 151 2221)።

ኣብ ኤስፑ፡ ሄልሲንኪን ቫንታን ንገዛ ዘይብሎም ዘገልግላ ሓያሎ ቦታታት https://sininauhasaatio.fi/materiaalipankki/opas-kadun-kansalle/

ምስ ጎረባብቲ

ብሓባር ነበርቲ ማሕበራት።

እንተተኻኢሉ ምስ ጎረባብትኻ ክትፋለጥ ይግባእ። ኣብ ናይ ኣባይቲ ኩባንያ ፍጻመታትን ናይ መረባ ዝርርባትን ዝቐለለ እዩ፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እንተተወዲቦም። ኪርኮኑሚ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጹ ማሕበራት ነበርቲ እውን ኣለዉዋ፣ እዚኣተን ድማ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ዘራኽባ እየን። ገለ ካብተን ማሕበራት ነበርቲ ኣዝየን ብንጥፈት ይሰርሓን ሓደስቲ ኣባላት ብምውሳድ ሕጉሳት እየን።

ኣብ ታሕቲ ዝርዝር ናይተን ኣብ ኪርኮኑሚ ዝንቀሳቐሳ ማሕበራት ነበርቲ መርበብ ሓበሬታ ዘለወን እየን።

ክርክርን ሽምግልና ጎረባብትን

ብሓባር ምንባር ኩሉ ግዜ ከምቲ ተስፋ ትገብርዎ ኣይከይድን እዩ። ጎረባብቲ ኩሉ ግዜ ሕጊ ገዛ ኣይክተሉን እዮም። እቲ ናይ ባህልታት ፍልልይ ኣብ መንጎ ከባቢታት እውን ግርጭታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ኣድልዎን ዓሌትነትን እውን ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ክንሱ እዩ ዘጋጥም።

እቲ ናይ ግርጭት ኩነታት ብምዝርራብ እንተዘይተፈቲሑ፡ ነቲ ኣአንጋዲ ርክብ ብምግባር ብዛዕባ እቲ ጸገም ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማ እውን ናይ ከባቢ ሽምግልና ማእከል ኣሎhttps://www.naapuruussovittelu.fi/yhteystiedot/ . ፣ ኣብኡ ኣብ ክርክር ኩነታት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። . https://kalliola.fi/palvelut/sovittelu/rikos-ja-riita-asioiden-sovittelu/ኣብ ካሊዮላ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሽምግልና እውን ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ሽምግልና ዘይሻራዊ፣ ምስጢራዊን ብነጻን እዩ።

እቲ ጸገማት እንተቐጺሉ ወይ ዓመጽ ወይ ስግኣት ዓመጽ እንተ ኣጋጢሙካ ምስ ፖሊስ ተወከስ። ፖሊስ ኣብ ሰሙን ካብ ሰዓት 8 a.m ክሳብ 4:15 p.m ብስልኪ ቁጽሪ 0295 419 800 ሃገራዊ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣለዎ። ኣብ ህጹጽ ህጹጽ ኩነታት፡ ናብ 112 ክትድውሎ ትክእሉ እኩም ።